ትግርኛ - Tigrinya

DSHS ብዝመረፅክምዎ ቋንቋ ኣገልግሎት የቕርብ፡፡ ብዛዕባ ነቕርቦም ዓይነት ኣገልግሎታት ተወሳኺ መረዳእታ ንምርካብ ብኽብረትኩም ካብ ሶኒ ክሳዕ ዓርቢ ካብ ሰዓት 8 ቅ.ቀ ክሳዕ 5 ድ.ቀ ናብ 800-737-0617 ደውሉ፡፡
መልእኽቲ ዝቐርፅ ማሽን እንተድኣ ረኺብኩም፡ እቲ ትዛረብዎ ቋንቋን ቁፅሪ ቴሌፎን ኣቐምጡልና፤ ንሕና ድማ ምስ ኣስተርጓሚ መሊስና ክንድውለልኩም ኢና፡፡ ምስማዕ ንዝተስኣኖም፡ ምስማዕ ንዝፅገሙ፡ ምስማዕን ምርኣይን ዝተስኣኖምን ምዝራብ ዘይክእሉ ዓማውል ወይ ውልቀ ሰባት፡ በቲ ዝመረፅክምዎ ኣቕራቢ ኣቢልኩም ብኽብረትኩም ብ360-111-2222 ደውሉ፡፡

DSHS እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ይህብ?
• ናይ መግቢ፡ ጥረ ገንዘብ፡ መንበሪ ገዛን ናይ ሕክምና ጥቕምታት: 877-501-2233
• ድጋፍ ህጻናት:- 800-442-5437
• ናይ ዓበይቲ ሰባት ክንክን: 877-734-6277
• ናይ ዓበይቲ ሰባት ሓለዋ: 866-363-4276
• ናይ ስንክልና ደገፍ: 800-248-0949
• ናይ ሙያ ዳግመ ሕውየት: 800-637-5627

እትደልይዎ ኣገልግሎት ንክትረኽቡ፡ ምሳኹም ንክንረዳዳእ ንክሕግዘና፡ መረዳእታታት ንክትርጉም፡ መረዳእታታት ብብሬል ወይ ብፉሩይ ንክፅሕፍ፡ እቲ ዝተፅሓፈ ብድምፂ ንኽቀርፅን ወዘተ ኣስተርጓሚ ክነዳልው ኢና፡፡
ሰብኣዊ መሰላት ሕጊ VI፡ DSHS ብምኽንያት ዓሌት፡ ቀለም ወይ መበቆሊ ሀገር ኣድልዎ ንከይፍፅም ይዓግቶ፡፡ እትደልይዎ ቋንቋ ሓቲትኩም ኣገልግሎት እንተዘይረኺብኩም ወይ ድማ DSHS ኣብ ልዕለኹም ኣድልዎ እንተድኣ ፈፂሙ ብኽብረትኩም ናብ ቀፃልነት ኣገልግሎት ብ800-737-0617 ደውሉ ወይ ጥርኣንኩም ናብ iraucomplaints@dshs.wa.gov ኢሜይል ግበሩ፡፡

ብተወሳኺ ድማ በዞም ዝስዕቡ ቤት ፅሕፈታት ኣቢልኩም ናይ ኣድልዎ ጥርዓን ምእታው ትኽእሉ፡
ናይ ዋሽንግተን ስቴት ዓቃቢ ሕጊ ቤት ፅሕፈት (800-551-4636)
ናይ ዋሽንግተን ስቴት ሰብኣዊ መሰላት ከሚሽን (800-233-3247)
ናይ ኣሜሪካ ክፍሊ ጥዕናን ሰብኣዊ ኣገልግሎታትን (800-368-1019)